ሴናተር ኪም ጃክሰን ብናይ ሕሶት ሓበሬታ ደገፍቲ ህወሓት ብምትላል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ቅዋም ብምውሳደን ይቕሬታ ሓቲተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ሴናተር ጆርጂያ ኪም ጃክሰን ብናይ ሕሶት ሓበሬታ ደገፍቲ ህወሓት ብምትላል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተሰሓሓተ ቅዋም ብምውሳደን ይቕሬታ ሓቲተን።

እተን ሴናተር ይቕሬታ ሓቲተን ዘለዋ፤ ኣባላት ማሕረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ብዘሰናድኡዎ መድረኽ ዘተ ኢዩ፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ሴናተር ጆርጂያ ኪም ጃክሰን፥ “ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፃትን ኢሜይልን ብዝበፅሑኒ መልእኽቲታት ኢትዮጵያውያን ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ከምዘይብሎም ኣፍሊጦምኒ ኢዮም፤ ኣሕዋትና፣ ኣሓትናን የዕሩኽትናን ኢዮም ክብሉ ብተደጋጋሚ ገሊፆምለይ ኢዮም” ኢለን፡፡

ኣነ እውን ብዝበፃሕኹዎ ወድዓዊ ሓቂ ኣብ ውሽጢ ግምት እንተየእተኹ ዝበጽሐኒ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ደገፍቲ ህወሓት ጥራሕ ዝተሰሓሓተ ቅዋም ሒዘ ነይረ ኢለን እተን ሴናተር፡፡

“ንዝፈጠርኩዎ ስሕተት እውን ሙሉእ ሓላፍነት ወሲደ ንምእራም ክሰርሕ ኢየ፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝቡን ይቕሬታ የሓትት” ክብላ ገሊፀን፡፡

“ኣነን ካልኦት ሴናተራትን ከምኡ እውን መሓዙተይ ብፕሮፓጋንዳ ህወሓት ተሰሓሒትና ኢና” እውን ኢለን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment