ሳፋሪኮም ግልጋሎት ሞባይል መተሓላለፊ ገንዘብ ‘ኤም-ፔሳ’ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ከጀምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳፋሪኮም ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ግልጋሎት ሞባይል መተሓላለፊ ገንዘብ ‘ኤም-ፔሳ’ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣብ ግልጋሎት ከምዘውዕል ገሊፁ።

እቲ ግልጋሎት ንስለስተ ኣዋርሕ ብፈተነ ዝፀንሐ፣ ቴክኒካል ድልዉነቱ ዝዛዘመ፣ ምስ ባንኪታት ቁልፊ ምሕዝነት ዘረጋገፀን ወኪላት መልሚሉ ስልጠና ዝሃበ ከምዝኾነ ምርግጋፁ ተሓቢሩ፡፡

ኩሎም ዓማዊል ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ‘ኤም-ፔሳ’ ዘቕርቦም ግልጋሎታት ብሳፋሪኮም መስመሮም ብኣንድሮይድ ብኣይ ኦ ኤስን ብምድዋል በመደወል ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።

እቲ መተግበሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓሙሽተ ቋንቋታት ንኣንድሮይድ ስልኪታት ድሉው ከምዝኾነን ኣብ ፕሌይ ከምዝርከብን ዝገለፀ እቲ ትካል÷ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ድማ ን(ኣይ ኦ ኤስ) ስልኪታት ከምዝቐርብ ኣመልኪቱ፡፡

ዓማዊል ‘ኤም-ፔሳ’ ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ ሃር ገንዘብ ምልኣኽን ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ገንዘብ ምቕባል፣ ንነጋዶ ክፍሊት ምፍፃም፣ ኣየር ሰዓት ምግዛእ፣ ናብ ባንኪ ሒሳቦም ምምሕልላፍን ካብ ባንኪ ሒሳቦም ናብ ‘ኤም-ፔሳ’ምልኣኽ ከምዝኽእሉ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

‘ኤም-ፔሳ’ ብሚሊየን ንዝቑፀሩ ሰባት ግልጋሎት ፋይናንስ ብምቕራብ ኣብ ኣፍሪካ ዕዉት ከምዝኾነ ይንገረሉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment