ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ብኮድ +2517 ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ብኮድ +2517 ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ኢዩ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ብብርኪ ሃገር ን1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ገሊፁ።

ኢትዮጵያውያን ዝምጥን ዘበናዊ ዘርገሐ ኔትዎርክ ከምዘካይድ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ማቲው ሓሪሰን ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ብ100 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ማእኸል ዳታ ምህናፁ ዝገለፁ ዋና ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ እቲ ኩባኒያ ፔድሮ ራቫካል፥ ኣብዚ ዓመት ኣብ ክልቲአን ከተማታት ክልተ ተወሰኽቲ ማእኸላት ዳታ ከምዝህነፁ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ 8 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ዋኢ ብምግባር ተረባሕነት እቲ ዓውዲ ንምምሕያሽ ዘኽእል ትልሚ አለና አወን ኢሎም።

ብሜሮን ሙሉጌታ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment