ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ብምዃን ተሸይመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ነበር ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ኣብ ታሪኽ ታንዛንያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዚደንት ብምዃን ቃለ-ማሕላ ፈጺማ።

እተን ምክትል ፕሬዚዳንት ሎሚ መዓልቲ ቃለ ማሕላ ዝፈፀማ እንትኾና፥ ጆን ማጉፉሊ ኣብ 61 ዓመቶም ዳሬ ሰላም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ምስ ሕማም ልቢ ተተሓሒዙ ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላየን ስዒቡ ኢዩ።

እቲ ስነስርዓት ቃለ ማሕላ ኣብ ዳሬ ሰላም ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ኢዩ ተፈፂሙ።

ጓል 61 ዓመት ሳሚያ ሱሉሁ፥ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ታንዛኒያ ዝተረፈ ዘበን ስልጣን ማጉፉሊ ክሳብ 2025 ፕሬዚዳንት ኮይነን ከምዘገልግላ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ውድበን ፅባሕ ቀዳም ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝገብር እንትኸውን፥ ኣብ ኣኼቡኡ ድማ ሓዱሽ ምክትል ፕሬዚዳንት ክመርፅ ኢዩ ዝብል ትፅት ኣሎ፡፡

ፍልፍል፡- ኔሽን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment