ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይጄሪያ ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ስዒቡ ሳልሳይ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ናይጄሪያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ኣኼባ እነት ሃገራት ዝተስማዕማዓሎም ክልተኣዊ ስምምዓትን ክሰርሑሎም ኣብ ዝኽእሉ ሃፍቲታተንን ምይይጥ ክግበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡
ኣዲስ ኣበባን ኣቡጃን ቅድም ክብል ኣብ ዓውዲታት ኣየር፣ ንግዲ፣ ባህሊ፣ ሳይንስ፣ ትምህርቲ፣ ባህሊን ቱሪዝምን ከምኡ እውን ኣብ ዘፈር ሕርሻ ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ምትሕብባር ከምዝተፈፀመ እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ክልቲአን ሃገራት፥ ቅድም ክብል ኣብ ዘፈራት መዓድንን ኢንዱስትሪን ብሓባር ንምስራሕ ዝተስማዕምዑሎም ጉዳያት ሓዊሱ ሓቢርካ ምስራሕ ዝኽእሉሎም ካልኦት ጉዳያ ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብፀጋዬ ወንድወሰን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።