ሲኖዶስ ንዝተመዛበሉ ወገናት ዝውዕል 50 ሚሊየን ብር ሓገወ ንኽግበር ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉን ንፃገም ዝተቓልዑን ወገናት ዝውዕል 50 ሚሊየን ብር ሓገዝ ንኽግበር ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ምልኣተ ጉባኤ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፥ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ምምሕልላፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ፓትሪያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንኀዓስል ናብ እግዚኣብሄር ምፅላይ ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝገለፁ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፥ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ፀሎት ንኽካየድ ከምዝተወሰነ ገሊፆም።

ኣብ ኣውስትራሊያ፣ ካናዳ፣ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኮይኖም ህዝባዊ ሓድነት ንምፍራስ ዝፅዕሩ ብሽም ሃይማኖት ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ እውን ምልኣተ ጉባኤ እቲ ሲኖዶስ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment