ሲሚንቶ ብናፃ ዕዳጋ ንክሽየጥ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ አቶ ተሻለ በልሁ ቅድመ ሐዚ ዝነበረ መምርሒ ሽይጣት ስሚንቶ ከምዝተቐየረ ተዛሪበም።

ዋጋ ስሚንቶ ብመንግስቲ ተወሲኑ ንክሽየጥ ዘኽእል መምርሒ ምንባሩ ብምዝኽኻር፥ እቲ መምርሒ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ስሚንቶ ብቐሊሉ ንከይረኽባ ከምዝገበረን ተዛሪቦም።

ብመሰረት እቲ ሓዱሽ መምርሒ፥ ፋብሪካታት ስሚንቶ ዝሸጣሉ ዋጋ በቢሽድሽተ ወርሒ በቲ ሚኒስቴር ከምዝውሰን ገሊፆም።

ኣብ ምትዕድዳግ እውን ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲን ብፅሒት ወረቐትን ግድነት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሲሚንቶ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ቁፅፅርን ክትትልን ከይተገበረሉ ብናፃ ዕዳጋ ንክሽየጥ ከምዝተወሰነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ብመሳፍንት እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment