ሱዳን ዶባ ብዝተጠናኸረ መገዲ ክትሕሉ እምበር መሬት ኢትዮጵያ ንኽትሕዝ ፍቓድ ዝሃባ የለን – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ዘይምስምዕማዕ ብሰላማዊ ድርድር ንኽፍታሕ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን  ድልውቲ ከምዝኾነት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስትር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቡዎ ሳምንታዊ መግለፂ፥ ሱዳን ኣብ ዶብ ከባቢ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ድሌት ህዝቢ እታ ሃገር ኣይኮነን ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፥ “ሱዳን ዶባታ ኣጠናኺራ ንኽትሕሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ” እውን ኢሎም።

ይኹን እምበር ጦር ሱዳን ዶብ ጥሒሱ መሬት ኢትዮጵያ ተቖፃፂሩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ነዚ ድማ ሓደሓደ ሰብ መዚ ሱዳን ደጊፎምዎ ከምዝደገፉዎ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራት ሱዳን ካብ ዝኣተዉዎ መሬት ኢትዮጵያ ለቒቖም ንኽወፅኡ እናተሓሳሰበ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጉዳይ ዶብ ናብ ጎንፂ ንምውሳድ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ከምዘለዉ ኣገንዚቦም።

ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ድማ፤ “ሰለስተኣዊ ድርድር ክቕፅል ኢዩ፤ ህንፀትን ምልኢትን ኣይቋረፅን ኢሎም”።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ሃገራት ኣለ ተባሂሉ ዝተጋወሐ ወረ ሓሶት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ጉዳይ ንዝተፈላለያ ሃገራት ገለፃ እናተገበረ ከምዝኾነ እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብሪሆም።

ኣዳነች ኣበበ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment