ሱዳን ኣብ ዳርፉር ዝርከብ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ዝወፅአሉ እዋን ንኽናዋሕ ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ኣብ ዳርፉር ዝርከብ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት /ዩናሚድ/ ዝወፅአሉ እዋን ንኽናዋሕ ሓቲታ።

ካርቱም ካልማን ሶርቶኒይን ኣብ ዝበሃሉ ስግኣት ፀፅታ ኣብ ዘለወን ክልተ መዓስከራት ዝርከብ እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣብኡ ንኽፀንሕ ድሌት ኣለዋ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ክልቲአን መዓስከራት ሓይሊ ክሳብ ተስፍር ኢያ እተታ ሃገር ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ሕቶ ኣቕሪባ ዘላ፡፡

ሓላፊ መምርሒ ድጋፍ መስኪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቱል ሃሬ፥ ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ኣወንታዊ ምላሽ ንመሃብ ምሕሳቦም ገሊፆም፡፡

ኣብ ካልማን ሶርቶኒይን ዝርከቡ ነበርቲ፥ ምውፃእ እቲ ዓቃቢ ሰላም ተቓዊሞም ብተደጋጋሚ ሰልፊ ኣካይዶም ኢዮም፡፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት እቲ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ክሳብ መወዳእታ ጉንበት ንኽወፅእ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር፡፡

ፍልፍል፡- ሱዳንትሪቢዩን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment