ሱዳን ኣብ የመን ዝርከቡ ቁፅሪ ወታደራታ ካብ 15 ሺሕ ናብ 5 ሺሕ ኣውሪዳቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳን ኣብ የመን ዝርከቡ ዓቀብቲ ሰላም ቁፅሪ ወታደራታ ካብ 15 ሺሕ ናብ 5 ሺሕ ከምዝነከየቶ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ፥ ኣብ የመን ዘሎ ዘይምርግጋዕ ወታደራት ብምውፋር ክፍታሕ ዝኽእል ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ፥ ካብ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2015 ጀሚሮም ንምምካት ዓመፅቲ ሃውቲ ኣብ የመን ዝተዋፈሩ ቁፅሪ ወታደራት ሱዳን ምንካይ ኣድላዩ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዞባ፥ ብሳዑዲ ዓረቢያ ምስ ዝምራሕ ጥምር ሰራዊት ኣባላት ዝኾኑ 15 ሺሕ ወታደራት ሱዳን ቁፅሮም ናብ 5 ሺሕ ንክወርድ ከምዝተገበረ እውን ኣረጋጊፆም።

ፀገም የመን ብፖለቲካዊ ውሳነ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዝኽእል ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃምዶክ፥ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓይሊታት ንዓመታት ዝዘለቐ ዘይምርግጋዕ ብዘተ ንኽፈትሑ ፀዊዖም።

ብምኽንያት ኣብ የመን ዝተፈጠረ ሕድሕድ ጎንፂ፥ ክሳብ ሕዚ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ይፍለጥ።

ብመሰረት ውድብ ሕቡራ መንግስታት ብዘውፀኦ ሓበሬታ ብሳዑዲ ዓረቢያ ዝምራሕ ጥምር ሰራዊት ኣብ የመን ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ልዕሊ 8 ሺሕን 670 ሰባት እንትቕተሉ ናብ 50 ሺሕ ዝፅግዑ ሰባት ድማ መጉዳእቲ ኣካል በፂሑም ኢዩ።

ፍልፍል፦ ሲ ጂ ቲ ኤን

Comments (0)
Add Comment