ሱዳን ኣብ ከባቢ ዶብ ትገብሮ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ትቕፅለሉ ኣላ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣4 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ኣብ ከባቢ ዶብ ትገብሮ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ትቕፅለሉ ከምዘላ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

እቶም ኣቀባሊ ቃል ኣብ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ዓበይቲ ክንውናት እዚ ሰሙን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ ወፃኢ ሓይሊታት ውግእ ትግበር እምበር ካብ ኲናት ዝርከብ ትርፊ ከምዘየለ ትርዳእ እያ ኢሎም።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ጎንፂ ንኸኣትዋ ብምግባር ፖለቲካዊ ትርፊ ንምርካብ ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ድሌት ከምዘለዎም ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ናይ ኲናት ኣማራፂ ከምዘይትጥቀም ኣብሪሆም።

ህዝቢታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዘባናት ዝፀንሐ ታሪኻዊ ርክብ ዘለዎም ስለዝኾኑ ሓበራዊ ዕቤት እምበር ኲናት ከምዘይደልዩ ገሊፆም።

ብተፃራሪ ድማ ሱዳን ኣብ ዶብ ከባቢ ሕዚ እውን ብዝተጠናኸረ መልክዑ ሰራዊታ እናንቀሳቐሰት ከምዝኾነት ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኢትዮጵያ ንሰላምን ዲፕሎማሲን ቅድሚያ ከምትህብ ዝገለፁ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ሰራዊት ሱዳን ዶባ ጥሒሱ ብምእታው እናገበሮ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ምዕጋሳ ምስ ፍርሒን ምውልዋልን ዝተተሓሓዘ ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1902 ዝተገበረ ዶብ ናይ ምጥራዝ ታሪኽ ስዒቡ ብዝተፈላለዩ እዋናት ዝተጀመሩ ሓበራዊ ዶብ ናይ ምጥራዝ ምንቅስቓሳት ብምምላስ ፀገም ዶብ ክልቲአን ሃገራት ምፍታሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment