ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈፀመቶ ወራር ታሪኻ ስሕተት ኢዩ – ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈፀመቶ ወራር ብመንፅር ሞራል፣ ሕጊ ኢሉ እውን ምስ ዘለወን ዝፀንሐ ምሕዝነት እንትረአ ታሪኻ ስሕተት ከምዝኾነ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣብ ሱዳን ይበልጣል ኣእምሮ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኢትዮ-ሱዳን ኣመልኪቶም ብፍሉይ ንኢቢሲ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ “ሱዳን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1972 ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝተበፅሐ ስምምዕነት ዶብ ብዝጠሓሰ መልክዑ ወራር ብምፍፃም ጉድኣት ኣብፂሓ ኢያ” ኢሎም።

እቲ ወራር ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት በፂሑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፥ ሱዳን ብዝፈፀመቶ ወራር ብግምት ናብ ብር 1 ቢሊየን ዝፅዕ ጉድኣት ከምዘጋጠመ ገሊጾም።

ኢትዮጵያ ሕዚ እውን እቲ ፀገም ብሰላምን ብምዝርራብን ንምፍታሕ ድልውቲ ኢያ ዝበሉ ኣምባሳደር ይበልጣል፥ እዚ ዘይኸውን እንተኾይኑ ንባዕልኻ ናይ ምክልኻል ሕጋዊ መሰላ ከምትጥቀም ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment