ሱዳን ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ኣብ ዘይብሉ ናይ ባዕላ ፀገም ባዕላ ክትፈትሕ ኣለዋ – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ኣብ ዘይብሉ ናይ ባዕላ ፀገም ባዕላ ክትፈትሕ ከምዘለዋ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ናብ ልዑል ፖለቲካዊ ናዕቢ ብምእታው ሰላምን ምርግጋእን ተሳኢኑዋ ዝቐፀለት ሱዳን ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዓብደላ ሃምዶክ ስልጣኖም ለቒቖም ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ብወታደራዊ ሓይሊ ኣብ ማእሰርቲ ኣቲዮም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዘሎ ኩነታት ብቐረባ እናተኸታተለቶ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ሱዳናውያን ዘለዉዎም ኣፈላላያት ብሰላማዊ መገዲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ንኽፈትሑ ኢትዮጵያ ከምትደሊ።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ናዕቢ ዝፍታሕ ብድሌት ህዝቢ ሱዳን ክኸውን ይግባእ፤ ኢድ ኣእታውነት ኣጥቢቖም ክቃወሙ ከምዝግባእ እውን ኣመልኪቶም።

“ኢትዮጵያ ኩሉ ግዘ ትደልዮን ክትሪኦ ትደሊዮን ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ኢዩ” ክብሉ ኣምባሳደር ዲና ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ጉዳይ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብልዝብ ጥራሕ ንኅታሕ ቅድሚ ሕዚ እናገለፀት ምፅናሓ ብምሕባር ሕዚ እውን ነዚ ቅዋም ሒዛ ከምትቕፅል ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment