ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራሕ ካብ ኣሜሪካ ናብ ሃገሮም ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራሕ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ሃገሮም ኣቲዮም።

ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራሕ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ላዕለዎት ሓፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ዛህራ ሁመድ፣ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ብመዓርግ ሚኒስትር ሓላፊ ዘፈር ምምሕዳር ፋይናንስ ህንፀት ዴሞክራሲ ኣምባሳደር ሓሰን ኣብዱልቃድር፣ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጀሪያ ኣወል ወግሪስ ንሱልጣን ኣህመድ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራሕ ናብ ሃገሮም ምምፀኦም ከምዘሕጎሶም ብምግላፅ፥ መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ዓፋርን ንዝገበሩሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፡፡

ሱልጣን ኣሕመድ ወዲ ኣሱልጣን ኣሊሚራሕ እንትኾኑ፥ መበል 15 ሱልጣን ብምዃን ካብ ሰኑይ 4 መጋቢት 2015 ዓ.ም ሹመት ሱልጣንነት ክርከቡ ኢዮም፡፡

ብዓሊ ሹምባሕሪ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment