ሰፊሕ ኣፍልጦን ልምዲን ነበር ፕሬዚዳንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ምምሃር ይጠቅም ኢዩ-ፕሬዚዳንት ሣህለ ወርቅ ዘውዴ

አዲስ ኣበባ ፣  30 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታሪኽ ሕይወት ነበር ፕሬዚዳንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ዘድሃበ መፅሓፍ ተመሪቑ።

እቲ መፅሓፍ ብደራሲ ዓለምነህ ረጋሳ ዝተዘጋጀወ እንትኸውን፥  “ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ዊርቱ እና የኢትዮጵያ ዓለም አቀፍ ዲፕሎማሲ ከ1949 ዓ.ም እስከ … ” ዝብል ርእሲ ዘለዎ ኢዩ፡፡

ኣብ ምረቓ እቲ መፀሓፍ ፕሬዝዳንት ሣህለ ወርቅ ዘውዴን ሓዊሱ ካልኦት ላዕዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ ብፕሬዝዳንትነት ካብ ምግልጋሎም ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ስራሕ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላያ ሃገራት ብምባሳደርነት ብድምሩ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣገልጊሎም ኢዮም።

ፕሬዚዳንት ሣህለ ወርቅ ዘውዴ፥ ሰፊሕ ኣፍልጦን ልምዲን ታሪኽ ህይወት ነበር ፕሬዚዳንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ምምሃር ይጠቅም ኢዩ ክብላ ገሊፀን ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment