ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ መግለፂ ፍትሒ፣ ሓድነት፣ ማዕርነትን ሓርበኝነትን ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ መግለፂ ፍትሒ፣ ሓድነት፣ ማዕርነትን ሓርበኝነትን ኢዩ ክብሉ ብመዓርግ ክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

መበል 17 መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ “ሰንደቕ ዕላማማን ንብሄራዊ ሓድነትና፣ ንሉኣላዊነትናን ብራኸ ኢትዮጵያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ሰንደቕ ዕላማ ወሳኒ ሃገራዊ ሉኣላዊነት መተኣኻኸቢ ምልክት ኢዩ።

ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ምልክት ፍትሒ፣ ሓድነት፣ ማዕርነት፣ ንሉኣላዊነት ሃገር ዝኽፈል ሓርበኝነትን መግለፂ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነሰንደቕ ዕላማ ግቡእ ክብሪ ምሃብ ማለት እውን ሓድነትን ሉኣላዊነትን ሃገር ንምሕላው ክቡር ዋጋ ንዝኸፈሉን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ከምኡ እውን ቀዳሞት ጀጋኑ ሓርበኛታት ምኽባር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተግሁ ብርቱዓት ቀላፅም ምኽባር እውን ካሊእ ምልክት ሃገር ዝኾነ ሰንደቅ ዕላማ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment