ሰንደቅ ዕላማ ሓንቲ ሃገር ናፅነታን ሉኣላዊነታን ተርእየሉ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰንደቅ ዕላማ ሓንቲ ሃገር ናፅነታን ሉኣላዊነታን ተርእየሉ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ  ገሊፀን።

መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ “ሰንደቕ ዕላማና መግለፂ ብዙሕነትና፣ ዓምዲ ሉኣላዊነትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ሃገር ንመበል 15 ግዘ ኣብ ቀፅሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይኽበር ኣሎ።

ሰንደቕ ዕላማ ሓደ ካብ ካሊእ ሃገር ዝፍለየሉ፣ ናይ ካሊእ ተገዛኢ ዘይምዃና ዝረጋገፀሉ መግለፂ ናፅነትን ሉኣላውነትን ከምዝኾነ እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናተኸበረ ዝርከብ በዓል መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ÷ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ሓርበኛ ኣቦታት፣ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦትን ተረኺቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment