ሰብ ውልቀ ሃፍትን ማሕበራትን ንመኸተ ቫይረስ ኮረና ዝገብርዎ ሓገዝ እናቐፀለ ምዃኑ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ምትእኽኻብ እቶት ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰብ ውልቀ ሃፍትን ማሕበራትን ንመኸተ ቫይረስ ኮረና ዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ እናቐፀለ ምዃኑ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ምትእኽኻብ እቶት ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣካቢ ግብረ ሓይሊ ምትእኽኻብ እቶት ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ትግራይ ኣይተ ሓጎስ ወለኪዳን፥ ሰለስተ ትካላት ኣብ ትግራይ ንዝግበር ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዝውዕል ብር 175 ሺሕን 500 ሓገዝ ከም ዝገበሩ ገሊፆም።

እቶም ሓገዝ ዝገበሩ ሰብ ውልቀ ሃፍቲን ማሕበራትን፥ ማሕበር ምትሕግጋዝ ዕቁብ መቐለ ብር 100 ሺሕ፣ ቤት ትምህርቲ ማጂክ ካርፔት ብር 50 ሺሕ፣ ከምኡ እውን ክለብ ስፖርት ዋልታ ትግራይ ብር 25 ሺሕን 500 ምዃኖም ኣይተ ሓጎስ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ ብውልቐ ሰብሃፍትን ማሕበራትን ዝግበሩ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ገንዘባዊን ናውትን ሓገዛት ብተናፀል ከም ዝነበሩን ንቐፃሊ ዝግበሩ ሓገዛት ግና ኣብ ሓደ ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ከምዝግበኦን እውን ተገሊፁ።

ወከልቲ እቶም ደገፍ ዝሃቡ ትካላት ብወገኖም፥ እቲ ሓገዝ መንግስቲ ትግራይ ንዝገብሮ ዘሎ ስራሕቲ ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ንምሕጋዝን ኣብ ምድሓን ህዝቢ ትግራይ ብፅሒቶም ንምውፃእን ዝተገበረ ምዃኑ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment