ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝተፈላለዩ ቴኣትር ቤታት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእኸል መሰልጠኒ መሰረታዊ ውትድርና ብርሸለቆ ንዝርከቡ መበል 34 ዙር ሰልጠንቲ ተረኺቦም ንምልምል ሰልጠንቲ ናይ መድረኽ ኪነ-ጥበብ ኣቕሪቦም።
ዋና ኣዛዚ እቲ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ አዛዥ ኮሎኔል ጌታቸው ዓሊ፥ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ሆ ኢሉ ናብቲ ማእኸል መሰልጠኒ ዝተኣከቡ መናእሰይ ከበረታትዑ፣ ከዘናግዑን ሃገራዊ ፍቕሩ ብዝበለፀ ከደንፍዑን ኣብቲ ማእኸል ንዝተረኸቡ ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣርቲስት ትዕዛዙ ታዬን ኣርቲስት ኣስቴር ኣለማየሁን ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ “ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘንፀላለዋ ሓደጋ ንምልዋጥ ኩሉ ዜጋ ብሓባር ብምዃን ሃገር ናይ ምድሓን ስራሕ እናሰርሐ ስለዝኾነ፤ ናብርኡ፣ ደሙን ህይወቱን ንሃገር ንዘሃበ ሰራዊት ምክልኻል ንሕና እውን ብሞያና ናብ ዘለዎ ብምኻድ ስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ብምቕራብና ኩርዓት ይስመዐና” ኢሎም።
እቶም ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ፥ ካብ ፍቕሪ ሃገር ቴኣትር፣ ህፃናትን መናእሰይን ቴኣትርን ኣዲስ ኣበባ ቴኣትርን ዝተውፃእፅኡ ከምዝኾኑ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።