ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሓምለ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሞያ ኣብ መከታተሊ ክፍሊ ኩነት ብምዃን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓደ ፀሓይ ይከታተሉ ኣለዉ።
እቶም ሰብ ሞያ በቢእዋኑ ዘሎ ቁፅራዊ ምዕባለ እናተኸታተሉ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ሓበሬታ ክምግቡ ኢዮም።
ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 500 ሚሊየን ፈልስታት ክትከሉ ኢዮም።
እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ሰዓት 12 ንጎሆ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ተግባራዊ ይግበር ኣሎ።
ብምንተስኖት ሙሉጌታ