ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ህወሓት ኣብ ዘተ ሽምግልና ክሳተፉ ኢዮም ብዝብል ዝተወዘዐ ሓበሬታ ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ህወሓት ኣብ ዘተ ሽምግልና ክሳተፉ ኢዮም ብዝብል ዝተወዘዐ ሓበሬታ ዝተሰሓሓተን ብግብረ ሓይሊ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዘይተረጋገፀን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ብቁርፀኝነት ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ።

ኣካላት ሚዲያ ከም መሰረታዊ ኣሰራርሓ ጋዜጠኝነት ልዕልነት ሕጊ ዝምልከቱ ሕቶታት ኩሉ ጊዜ ብፕሬስ ሴክሬታሪያት ግብረ ሓይሊ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣቢሎም ንከረጋግፁ ፃውዒት ነቕርብ እውን ኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment