ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጰያ ኣብ ዓውዲ ኣልሙኒየምን ግብርናን ንምውፋር ባህጊ ከምዘለዎም ገሊፆም።
እቶም ሰብ ሃፍቲ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ንግዲን ቀጣናዊ ዘምድናን ወ/ሮ ያስሚን ወሃብረቢ ዘቲዮም።
እቲ ዘተ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲ ንምጉልባት ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ወ/ሮ ያስሚን፥ ንዓመታት ዝፀንሐ ጠንካራ ርክብ ንግዲ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ርከብ ንግዲን ዘጠናኽር ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ ይምራሕ ኣሎ ኢለን።
ፓኪስታን ካብ መንጎ ቅብኣታት እኽሊ ኢትዮጵያ ዝዕድጋ ሃገራት ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ ናብታ ሃገር ዝለኣኹ ፍሪያታት ክብ ብምባል እቲ ርክብ ንግዲ ብዝበለፀ ምጥንኻር ንደሊ ኢና ክብላ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ንኢንቨሰትመነተ ንግዲ ምቹእ ኩነታት ብምፍጣራ ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ዘሎ እወንታዊ ኣማራፅታት ብምጥቃም ኣብ ዓውዲ ንግዲ ወፃኢ ነክዋፈሩ ፃውዒት ከምዘቕረባ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።