ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋፅኡ ዓውዲታት ንክሳተፉ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዝተሳተፈትሉን ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትሪ ኢዝላማባድ ዘዳለዎን ጉባኤ ቢዝነስ ተኻይዱ።

ሚኒስቴር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ አረጋ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንክዋፈሩ ዘኽእል መማሓያየሺ ፖሊሲ ከምዝገበረት ሓቢሮም።

ቀንዲ እዋናዊ ጠመተ መንግስትቲ ኢትዮጵያ ፍሰት ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምዕባይ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ዓቕሚ ተወዳዳራይነት ኢትዮጵያ ንምዕባይ ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣብ ኣፍሪካ ካብዘለዋ ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ ንክትከውን ናይ ምግባር ዕላማ ከምዝተትሓዘ ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ  ሰብ-ሃፍቲን ማሕበረሰብ ንግዲ  ፓኪስታንን ትርፊ ኣብ ዝርከበሎም ዓውድታት ንክዋፈሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment