ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ክገብሩ ድልየት ከምዘለዎም ገሊፆም

ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ክገብሩ ድልየት ከምዘለዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካየዶ መበል 33 ፎረም ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ፣ እስያን ዓረብን ዝተሳተፉ ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ንመፅናዕቲ ቕድመ ኢንቨስትመንት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፁ ገሊፆም፡፡

እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኢንቨስት ምግባር ከምዝደልዩ ምርግጋፆም ኣብ ኮርፖሬሽ ልምዓት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ መፍረዩ፣ ንግዲ ፣ ሎጀስቲክን ካልኦት ግልጋሎት ዝህቡ ዓዉዲታትን ኢንቨስት ንምግባር ድልየት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን መፅናዕቲን ዑደትን ቅድመ ኢንቨስትመንት   ንምክያድ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅኡ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ንምስራሕ ዘኽእል ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ዓምዩቕ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ሰፊሕ ዕዳጋ ዉሽጢ ዓድን ወፃኢን፣ ብብርኪ ዓለም ዝተሃነፁ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚን ናፃ ንግዲ ቀጣናን ምህላዎም ኣብቲ ዘተ ተረዲእና ኢሎም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፓሬሽ ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ብወገኖም፥ ከይዲ ኢንቨስትመንት ስሉጥ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን እቶም ሰብ ሃፍቲ ዉፅኢታዊ ዝኾኑሉ መገዲ ከምዝመዓረረ ተዛሪቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment