ሰብ ሃፍቲ እንግሊዝን ኳታርን ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ እንግሊዝን ኳታርን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ባንኪን ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽንን ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ትማሊ ብዕሊ ኣብ ዝተኸፈተ ዓለም ለኸ መድረኽ ኢንቨስትመንት “ኢንቨስት ኦሪጂንስ 2023” ተሳተፍቲ ዝሖኑ ሰብ ሃፍቲ ዝተፈላለያ ሃገራ ኣብ ኢትዮጵያ ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡

እቲ መድረኽ ልዑል መጠን ዘለዎ ዕዳጋ ኢንቨስትመንት ናብ ኢትዮጵያ ንም ንምስሓብ ከምዝተሓሰበ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ እውን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዕድላት ኢንቨስትመንት ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡዎም።

ተወካሊ ንግዲ ኳታር ዶሃ፣ ባሕረ ሰላጤን ማእኸላይ ምብራቕ ኣፍሪካን ኣይተ ያሲን መሓመድ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ ፋይናንስ ኢንቨስትመንትን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ መሓዙት ትካላት ንምስራሕ ዘኽእሉ ሰነድድ ስምምዓት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከብ ውልቀ ባንኪ ከምዝተፈራረሙ ኣፍሊጦም።

ኣብ እንግሊዝ ለንደን ዝርከብ ኩባኒያ ግሎባል ሺፒንግ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዝኾኑ ጆን ላዋሳ ብግደኦም÷ ትካሎም ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ኣካዳሚ ስፖርት ንምጥያሽ ትልሚ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ዝኾኑ ኣሊም ታኩር÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ብሮቦቲክስ፣ ድሕንነት ሳይበርን ስማርት ትራንስፖርትን ዓብዪ ትኹት ብመሃብ ንግዶም ንምስፍሕፋሕ ከምዝሓሰቡ ተዛሪቦም።

ብዮናታን ዮሴፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment