ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ዓውዲታ ኢንቨስትመንት ሕርሻን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ናይ ምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ገሊፆም።
ሚኒስትር ኢንዱትሪ መላኩ ኣለበል ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም፡፡
ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብ ዘተኦም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዎ ኣማራፂታትን ዕፈድላትን ኢንቨስትመንት ገለፃ ገይሮም፡፡
ብዝቐረቡ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ፃውዒት ምቕራቦም እውን ካብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዝድለ ለውጢ ንምምፃእ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡
ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ብኢኮኖሚ እናዓበያ ካብ ሞንጎ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ምዃና ፀሪሖም፡፡
ሰብ ሃፍቲ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ዓውዲታ ኢንቨስትመንት ሕርሻን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ናይ ምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብረሎም እውን ሓቲቶም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com