ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስት ንክገብሩ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት 16፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስት ንክገብሩ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ትልምን በጀትን እቲ ኮሚሽን እናትነሽ ታመነ፥ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2 ሺሕን 863 ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ንክወስዱ፣ ንከሐድሱን ከመሓይሹን ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

ን2 ሺሕን 834 ዜጋታት ቀዋምን ግዝያዊን ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ እውን ሓቢረን።

ብተወሳኺ ን424 ፕሮጀክትታትን ፍሪያታት ወፃኢን ዘማዕብሉን ፍሪያታት ንዝልእኹን 15 ትካላት ክትትልን ደገፍን ከምዝተገበረ ወ/ሮ እናትነሽ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪበን።

ኣገልግሎት ኣወሃህባ ዓማዊል ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment