ሰብ ሃፍቲ ማሌዥያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ምግባር ከምዝደሊዩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ማሌዥያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ምግባር ከምዝደሊዩ ገሊፆም።

ናብ ማሌዥያ ዑደት ስራሕ ንምግባር ዘምረሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ቢዝነስ ዘቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርከቡ ምቹእ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት መብርሂ ሂቦም።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ ፋርማሲዩቲካል፣ ቴክስታይልን ጋርመንትን፣ ማዕድንን ኮንስትራክሽንን ሰብ ሃፍቲ ማሌዥያ ነክዋፈሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ጠንካራ ፍሰት ኢንቨስትመንት ንክህሊ፣ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዋ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ቀዳምነት ብዛዕባ እትህቦም ዓውዲታትን፣ ንሰብ ሃፍቲ ምቹእ ምህዳር ኢንቨስትመንት ንምፍጣር ዝግበሩ ዘለዉ ተግባራት ሪፎርም መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣባላት ማሕበረሰብ ቢዚነስ ማሌዥያ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ዑደት ቅድመ ኢንቨስትመንት ዝገብር ልኡኽ ክንልእኽ ኢና ምባሎም ኣብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment