ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቂሊንጦ መዋእለ ንዋዮም ናይ ምፍሰሳስ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፋርማሲዩቲካል ማኑፋክቸሪንግ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ 279 ሄክታር መሬት ኣብ ዝዓረፈ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቂሊንጦ ብምውፋር መዋእለ ንዋዮም ናይ ምፍሰሳስ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ድሌቶም ዝገለፁ÷ መሰረተ ልምዓት፣ ግልጋሎት ሓደ ማእኸልን ፖሊሲታት ኢንቨስትመንትን መበረታትዒታትን ኢንዱስትሪ ፓርክ ቂሊንጦ ዝምልከቱ ዝርዝር ሓበሬታታት ምስ ቀረቡሎምን እቲ ፓርክ ምስተዓዘቡን ኢዩ፡፡

ኣብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ፕሮሞሽንን ዘፈር ማርኬቲንግን ኣይተ ዘመን ጁነዲን ምስቶም ሰብ ሃፍቲ ልዝብ ምክያዶም ተገሊፁ፡፡

ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቂሊንጦ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ተዓዚቦም ሕጉሳት ከምዝኾኑ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ኣብቲ ፓርክ መዋእለ ነዋዮም ንምፍሳስ ድሌት ከምዘለዎም ምግላፁ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment