ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስት ንምግባር ዘለዎም ባህጊ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስት ንምግባር ዘለዎም ባህጊ ገሊፆም።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዓውዲታት ዕደና፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ግብርና፣ ኣይ ሲ ቲ ን ትምህርቱን  ንምውፋር ዘለዎም ድልየት ኢዮም ገሊፆም።

ኮሚሽነር ለሊሴ ነሜን ምክትል ኮምሽነር ዳንኤል ተሬሳን ካብ ህንዲ ምስ ዝመፅኡ  ሰብ ሃፍቲን ትካላት ንግዲን ተዛቲዮም።

ድሕሪ እቲ ዘተ እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ቡልቡላ፣ ቦሌ ለሚን ቂሊንጦን ኢንዱስትሪ ዑደት ምግባሮም ካብ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment