ሰብ ሃፍረቲ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 3 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣብዑር ንስሙር ሰራዊት ደገፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉመን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍረቲ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 3 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣብዑር ኣብ ግንባር ሰሜን ማይፀብሪ ተከዘ ንዝርከብ ስሙር ሰራዊት ደገፍ ገይሮም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንሳልሳይ እዋን ዝኸፈቶ ወረራ ንምምካት ኣብ ዝግበር ርብርብ ኢዩ እቶም ሰብ ሃፍቲ ደገፍ ዝገበሩ።

እዋናዊ ኮሚቲ ሰብ ሃፍቲ እቲ ክልል፥ 100 ሰንጋታት ደገፍ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ኣተሓባባሪ ሎጂስቲክስ እቲ ኮሚቴ ኣይተ ሙሉጌታ ቢያዝን፥ እቶም ሰብ ሃፍቲ ነቲ ስሙር ሰራዊት ንምሕጋዝ ወልንታዊያን ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ ኣልባሳት፣ ፍራሽን ካልኦት ናውቲታትን ደገፍ ንምግባር ምድላው ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያውያን ልሙድ ደገፎም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒት ምቕራቦም ተሓቢሩ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment