ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ናይ ምሽፋን ስራሕ ጀሚርና -ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ናይ ምሽፋን ስራሕ ጀሚርና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪን ተመስገን ጥሩነህን ሓዊሱ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ከንቲባታት፣ ሚኒስትራትን ሓለፍቲ ትካላትን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም።

ኣይተ ተመስገን፥ ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያን ሃገራዊ ሰብኣዊ ደገፈን ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ንምሽፋን ሓዱሽ ፖሊሲ ናብ ስራሕ ምእታዉ ኣፍሊጦም።

እቲ ፖሊሲ፥ ካብ ተሓጋዛይነት ንውፃእ ዝብል “ኣብዮት” ምልዕዓል ቀንዲ ሸቶ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ሓደጋ ብገዛእ ርእስኻ ናይ ምሽካም ዓቕሚ ምምዕባል ከምዘድሊ ኣረዲኦም።

ኣብ ቅድመ ሓደጋ፣ እዋን ሓደጋን ድህረ ሓደጋን ዝስርሑ ስራሕቲ ብመሰረት ትልሚ ብዝተናበበ መገዲ ምፍፃም ከምዝግበኦም ኣተሓሳሲቦም።

ብፍረህይወት ሰፊው

Comments (0)
Add Comment