ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ናብ ትግራይ እናተጓዛ ምዃነን ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቤስሌይ ገሊፆም።
እቶም ዳይሬክተር ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም፡፡
ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ብዙሓት ተሸከርከርቲ ናብ መቐለ እናቕናዓ ከምዝርከባ ኢዮም እቶም ዳይሬክተር ዝገለፁ፡፡
ዝጓዓዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል እኹል ሓገዝ ዘይረኸቡ ብዙሓት ዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡
ኣብቲ ከይዲ ምትሕብባር ኣመራርሓታት መንግስቲ ዝምስገን ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ኣብ ትግራይ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ንምሕጋዝ ዝሰሳለጥ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።