ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ደገፍ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ደገፍ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሰላማዊት ካሳ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዘጋጠመ ሕፅረት ዝናብ ስዒቡ ብፍላይ ቅድመ ሐዚ ብድርቂ ተጎዲኦም ዝነበሩ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድሊዮም ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ ተዛሪበን።

መንግስቲ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ምስ ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ትካላት ብምውዳድ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ካብ መንግስቲን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ብዝተረኸበ 15 ቢሊየን ብር ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ብሰለስተ ዙር ህፁፅ ሓገዝ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺረን።

ኣብ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ፣ ኦሮሚያ፣ ሶማሌ ፣ ትግራይ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ዓፋርን ሃረሪን ዘሎ ዘሎ ዕዳጋ ብምፅናዕ ምግቢ ዓዲጎም ንክጥቀሙ 2 ቢሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ደገፍ ከምዝተገበረ እወን ሓቢረን።

ኣብ ቀፃሊ ብድርቅን ዝተፈላለዩ ምኽኒያታትን ሰብኣዊ ሓደጋ ንዘድሊዮም ልዕሊ 6 ነጥቢ 6 ሚሊየን ወገናት በምፍላይ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ሓገዝ ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ነዚ ዝኸውን 9 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ እውን ኣብሪሀን።

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment