ሰብኣዊ ሓገዝን ሓለዋን ዜጋታት ንድርድር ኣይቐርብን – ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላውን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ንድርድር ከምዘይቐርብ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ኣፍሊጡ።

እቶም ሚኒሰስትር÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላውን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምኡ እውን ቀረብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምርግጋፅ ሕገ መንግስታዊ ልኡኽትኡ ንምውፃእ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ይኹን ሓለዋ ንድርድር ከምዘይቐርብ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ “ብተመሳሳሊ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይኹን ሓለዋ ህዝቢ ትግራይ ንድርድር ኣይቐርብን” ኢሎም።

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅልጣፍ መንግስቲ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ብሽም ተረዳእቲ ዝመፅእ ሓገዝ እኽሊን መድሓኒትን ብዝኾነ ይኹን ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንኽዝረፍ መንግስቲ ከምዘይፈቅድን መንግስቲ ዝርገሐ ሓገዝ ከምዝቆፃፀርን ገሊፆም።

እዚ ድማ ሕገመንግስታዊ ግዴትኡ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝሰርሕ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment