ሰብሃፍቲ ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ብሓር ንምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ዘድሃበ ልዝብ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብሃፍቲ ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ብሓር ንምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ዘድሃበ ልዝብ ይካየድ ኣሎ።

ኤምባሲ እንግሊዝ ዘሰናደኦ ልዝብ፥ ማሕበረሰብ ንግዲ ምቅርራብን ሓቢሮም ምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታትን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝረኸቡ ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ኣላስተር መክፌል፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃጋርተ ዘሎ ርክብ መሰረት ብምግባር ርክባት ምጥንኻር ኣዚዩ ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪቦም።

እናዓበየ ዝመፅአ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ኢሉ እውን ሓርካ ንምስራሕ መንግስቲን ኩባኒያታትን ብሪታኒያ ድሉዋት ከምዝኾኑ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ነዊሕ ዓማውቲ ኣብ ዘፈር ስራሕቲ ንግዲ ዘሕለፉ ኩባኒያታት እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment