ሰባኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ንምብፃሕ ዝሕግዙ 4 ጉጅለታት ተጣይሾም ስራሕ ተጀሚሩ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስራሕ ኢትዮጵያ ሰባኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ንምብፃሕ ዝሕግዙ 4 ጉጅለታት ተጣይሾም ስራሕ ከምዝጀመረ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኮሚኒኬሽን ሰላማዊት ካሳ፥ እቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ደገፍን እግሪ ምትካልን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይፍፀም ኣሎ ኢለን።

ቅድም ክብል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ካብ ዝውዕሉ ዝነበሩ መስመራት ብተወሳኺ ብሰሜን ጎንደር፣ ሰሜን ወሎ ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብ ዘኽእሉ መስመራት ከምዝተዘርግሑ ገሊፀን።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም ን108 ሺሕ ዜጋታት ደገፍ ምግቢ ከምዝተገበረ እውን ኣፍሊጠን።

ልዕሊ 16 ሺሕ ኩንታል ስርናይ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ምዝራበን ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment