ሰባት ብምዕጋት ብር 30 ሚሊየን ዝሓተቱን ከቢድ ሽፍትነት እናፈፀሙ ነይሮም ዝተብሃሊሉ 5 ውልቀ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮማንደርንድሕንነትን ኢና እናበሉ ሰባት ብምዕጋት ብር 30 ሚሊየን ዝሓተቱን ከቢድ ሽፍትነት እናፈፀሙ ነይሮም ዝተብሃሊሉ 5 ውልቀ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተርኣየሎም ተጠርጠርቲ፥ ያሬድ ኦላቃን ፍቓዱ እዮኤልን ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት ኢዮም።

መርማሪ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፥ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከቢድ ገበን ተወዲቦም ሰባት እናዓገቱ ከምዝነበረ ብመረዳእታ ከምዘረጋገፀ ኣብሪሁ።

ብፍላይ 17 ሕዳር 2013 ዓ.ም ሙሴ ክብረኣብ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓጊቶም ናብ ስድርኡ ስልኪ ብምድዋል ብር 30 ሚሊየን እንተዘይኣምፂእኹም ብህይወት ኣይትረኽቡዎን እናበሉ እናፈራርሑዎም ከምዝነበሩ “ብዝገበርኩዎ ምርመራ ኣረጋጊፀ ኢየ” ኢሉ መርማሪ ፖሊስ ንመጋባእያ እንተረድእ።

እቶም ተጠርጠርቲ እናፈፀሙዎም ዝነበሩ ካልኦት ተግባር ገበናት ምህላዎምን ምርመራ ከይተዓናቐፍ ብምሕሳብን ኣብ መጋባእያ ከምዘይተገለፀ ብምሕባር ብምርመራ ዝረኸቦም መረዳእታታት ከምዘለዉዎ ገሊፁ።

ኣብቲ እዋንዓጊቶምዎ ዝነበሩ ውልቀሰብ ጉድኣት ዘብፅሑሉ ምዃኖም ስዒቡ መረዳእታ ሕክምና ምሕታቱ እውን ተገሊፁ።

መርማሪ ፖሊስ፥ ብመንፅር እናገበሮ ዝርከብ ሰፊሕ ምርመራ ንተወሳኺ ምርመራ ተወሳኺ እዋን ይወሃበኒ ክብል ሓቲቱ።

ተጠርጠርቲ ብግደኦም፥ እቲ ገበን ኣይፈፀምናን ብምባል ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ንኽለቆም ሓቲቶም።

እቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ መጋባእያ ድማ እንተወፂኦም ሓበሬታ ከጥፍኡ ይኽእሉ ኢዮም ብምባል ንተወሳኺ ምርመራ 7 መዓልቲታት ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment