ሰባት ብምዕጋት፣ ብምስቓይን ገንዘብ ብምቕባልን ገበን ዝፈፀሙ ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ብዕድመ ልክዕ እስራት ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰባት ብምዕጋት፣ ብምስቓይን ገንዘብ ብምቕባልን ገበን ዝፈፀሙ ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ብዕድመ ልክዕ እስራት ተቐፂዖም ክብል ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እቶም ውልቀ ሰባት መቐመጢኦም ሊቢያ ብምግባር ናይ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሲዳንን ዜግነት ዘለዎም ሰባት ዓጊቶም ብምቕማጥ ናብ ቤተሰቦም ስልኪ ብምድዋል ንሕድሕዶም 1 ሺሕን 500 ዶላር ንክኽፈሉ ምግባሮም ፖሊስ ብዝገበሮ ምርመራ ከምዝፈለጦ ገሊፁ።

እቶም ውለቀ ሰባት ናይ ተዓገድቲ ኢድን እግርን ኣሲሩ ብምግራፍን ብፃምእ ማይ ብምስቓይ ከምኡውን ኣብ ዝሰትይዎ ማይ ጋዝ ብምውሳኽ ናይ ሸሞንተ ሰባት ህይወት ብግፍዒ ንክሓልፍ ምግባሮም ተገሊፁ።

ዝተደቡን ዶብ ተሻጋሪን ገበንን ዳይሮክቶሬት ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ጉጅለ ምርመራ ብምውዳድ ብዘካየዶ ምርመራ መዝገብ ብምድርጃው ንፌዴራል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ብምልኣኽ ክሲ ንክምስረት ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ናይ ፌዴራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ መጋባእያ እቲ ክሲ ድሕሪ ምርኣዩ እቶም ውልቀ ሰባት ጥፍኣተኛታት ኮይኖም ብምርካቦም ኪዳኔ ዘካርያስ ዝተብሃለ ብዕድመ ልክዕ እስራትን 1 ሚሊየን ብር መቕፃዕቲ ገንዘብን፣ ኣማኑኤል ይርጋ ብ18 ዓመት ፅኑዕ እስራት፣ ሲሳይ ወዳፍይ ብ16 ዓመት ከምኡውን ሳባ መንደር ዝተብሃለ ብ12 ዓመትን 75 ሺሕ ናይ ገንዘብ መቕፃዕቲን ንክቕፅዑ ከምዝተወሰነ ካብ ኮሚሽን  ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment