ሰራዊት ፀላኢ ኣብ መእተዊ ወልዲያ ከባቢ ጥቁር ውሃ ተደምሲሱ

ኣዲስ ኣበባ፣  7 ነሓሰ፣2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብከሓዲ ናይ ቀደም ኣዛዚ 31ኛ ክፍለ ጦር  ብርጋዴር ጄነራል ከበደ ፍቃዱ ዝምራሕ ሰራዊት ፀላኢ ኣብ መእተዊ ወልዲያ ከባቢ ጥቁር ውሃ ከምዝተደምሰሰ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጦርነት ልዕሊ 70 ሓይሊ ፀላኢ ክድምሰስ ከምዝኸኣለ እውን ገሊፁ።

19 ክላሽን ኮቭ፣ 5  ስናይፐርን ብዙሓት ካብ ከበድቲ ክሳብ ቀለልቲ መሳርሒታት እውን ከምዝተማረኹ ተገሊፁ።

ብህልኽን ቁጠዐን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝነኣድ ተግባር ጅግንነት ከምዝተሰርሐ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ሰራዊት ሐዚ እውን ወፍሪ ህላወ ብዘተኣማምን መንፈስ ጅግንነት ንምውፃእ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ድልዊ ከምዝኾነ ምርግጋፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment