ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ወሰንቲ ዒላማታት ህወሓት ካብ ከተማ መቐለ ወፃኢ ደብዳብ ኣየር ምክያዱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ተደሪኹ ካብ ከተማ መቐለ ወፃኢ ኣብ ወሰንቲ ዒላማታት ህወሓት መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ምክያዱ ተገሊፁ።

መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብኽልተ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢሉ ኣብ መቐለ መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ከምዝተኻየደ ዝገልፅ ኣርእስቲን ሓፂር ቪዲዮታትን ምውፀኦም ዝገለፀ እንትኸውን ፥ እቶም ሓበሬታታት ብግብረ ሓይሊ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን እንተየረጋገፁ ኣብ ሓበሬታ ህወሓት ጥራሕ ተደሪኾም ዝተጋውሑ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኢዮም ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ይዲ እቲ ደብዳብ ሰላማዊ ሰባት ጥቕዓት በፂሑዎም ዝብል ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ተደሪኹ ካብ መቐለ ወፃእ ዘለዉ ወሰንቲ ዒላማታት ህወሓት መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ከምዘካየደ ኢዩ ገሊፁ ዘሎ፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፥ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ጥንቃቐ መሰረት ዝገበረ ዒላማ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፤ እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምትራፍ ክብል ካብ ከተማታት ዝረሓቐ መጥቃዕቲ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment