ሰራዊት ምክልኻል ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሑመራ ክሳብ ሸራሮ ዘሎ ቦታ ብምጥቃዕ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር የውዕል ኣሊ – ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሑመራን ከባቢኣን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ምክልኻል ከምዝወዓለ ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ ኣፍሊጦም።

እቲ ሰራዊት ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሑመራ ክሳብ ሸራሮ ዘሎ ቦታ ብምጥቃዕ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናውዓለ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ንዝነብሩ ሳባት ሓገዝ ምግባር ዝደልዩ ትካላት ርዳእታ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ተዘራሪቦም ሓገዝ ምግባር ከምዝኽእሉ እውን ኣብሪሆም።

ጁንታ ህወሓት ኣብ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ መፍለዪ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ብምድላው ንዘዳለዎም ዕጡቓት ከዲኑ ኤርትራ ከምዝወረረት ብምግላፅ ንህዝቢ እናደናገረ ከምዝኾነ ምገላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ህዝቢ በቲ ዝተቐነባበረ ድራማ እንተይተታለለ ንሰራዊት ምክልኻል ዝገበር ዘሎ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ሓቲቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment