ሰራዊት ምክልኻል ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ንምድጋፍ ከምዝተዳለዉ ነበርቲ ክልል ጋምቤላ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ ሕዳር 7 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ በቢብርኩ ዝርከቡ ውዳበታት ምምሕዳር ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ዘካየዱዎ ዘተ በዓል ሽዱሽተ ነጥቢ ቅዋም መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ተዛዚሙ።

ኣብ መጠቓለሊ እቲ ዘተ ዝተረኸቡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተ ሰብ፥ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ከምዝድግፉ ተዛሪቦም፡፡

ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ሓይሊታት ጥፍኣት ብምውፋር ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀሞ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ብምኹናን ኣብ ክልል ጋምበቤላ እውን መሰል ተግባራት ከይፍፀም ከባቢኦም ነቒሖም ከምዝሕልዉ ገሊፆም፡፡

ኣቲ ክልል ኢሉ እውን ኣብ ኢትጵያ ዝንቀሳቐሱ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ሕጊ ተኸቲሎም ሓሳቦም ብሰላማዊ መንገዲ ንኽገልፁ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ናብ ሕጊ ንምቕራብ መንግስቲ ተግባራት ምኽባር ሕጊ እናካየደ ከምዝርከብን ሕብረተሰብ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክኸውንን ይግባእ፡፡

ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ንዝተፈላለዩ ኣካላት ዘቕርቦ ሕቶ ንደራደር ተቐባልነት ክህልዎ ከምዘይግባእ እውን ገሊፆም፡፡

ዝተጀመረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ውፅኢት ክሳብ ዝርከበሉ ድማ ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ንምግባር መልእ ሕብረተሰብ እቲ ክልል ብሓድነት ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ምትሕስሳቦም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ክልል ጋምቤላ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment