ሰራዊት ምክልኻል ልኡኽትኡ ብዘተኣማምን ኩነታት ንኽፍፅም ዓቕሚ ናይ ምህናፅ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ሌ/ጄ ዘውዱ በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ህዝቢ ዝወፅአን ንህዝቢ ጠተው ዝብልን ሰራዊት ልኡኽቱኡ ብዘኲናት ሉኣላዊነት ሃገር ምኽባር ከምዝኾነ ዋና ኣዛዚ ማእኸላይ እዚ ዳሎል ሌተናል ጄኔራል ዘውዱ በላይ ገሊፆም።

ሌተናል ጀነራል ዘውዱ በላይ ከምዝበሉዎ፥ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ውሽጢን ደገን ንዝመፅእ ፀላኢ ብምምካት ሰላም ህዝቡ እናሓለወ ይርከብ።

“ካብ ህዝቢ ዝወፀአን ንህዝቢ ጠጠው ዝብልን ሰራዊት ልኡኽቱኡ ብዘኲናት ሉኣላዊነት ሃገር ምኽባር ኢዩ” ዝበሉ እቶም ዋና ኣዛዚ፥ እቲ ኲናት ብዓወት ብምዝዛም ህዝቢ ናብ ንቡር ሰላሙ ናይ ምምላስ ልኡኽቶ ዘለዎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብምዃኑ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ዝወሃቦ ወፍሪ ብግቡእ ንምፍፃም ዘኽእሎ ዓቕሚ ኣብ ምህናፅ ዝተኻየደ ርሕቐት ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ልኡኽትኡ ብዘተኣማምን ኩነታት ንኽፍፅም ዓቕሚ ናይ ምህናፅ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን እቶም ዋና ኣዛዚ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment