ሰራዊት ምክልኻል ሉእላዊነትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዘኽእል ዘተኣማምን ብቕዓት ይርከብ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሉእላዊነትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዘኽእል ዘተኣማምን ብቕዓት ከምዝርከብ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ቤት ትምህርቲ ወተሃደራዊ ኣካዳሚን መሰልጠኒ ሕፁያት መኮንናትን ሁርሶ ኢትዮጵያ ብድህረ ምረቓ “ወልወል”ን ሕፁያት ኮርስ ሰላም መኮንናት ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ሰርዓት ምረኻ ዘተረኸቡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ ተመረቕቲ ንኣመራርሓ ብቑዓት ዝገብሮም ፈልጠት፣ ክእለትን ብቕዓትን ጨቢጦም ኢዮም ኢሎም።

እቶም ተመረቕቲ ዓቕሚ ምፍፃም ሰራዊት ናብ ዝሓሸ በርኪ ንክሸጋገር ተስፋ ዝተነበረሎም ከምዝኾኑ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ሰራዊት ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ በእወንታ ንዘይርእዩ ታሪካዊ ፀላእቲን ናይ ወሽጢ ተለኣኣኽቲን ሓይሊታት ኣዕናዊ ተግባር ብልዑል ብቕዓት የፍሽል ኣሎ እውን ኢሎም።

ሰራዊት ምክልኻል ሉእላዊነትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዘኽእል ዘተኣማምን ብቕዓት ይርከብ ክብሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓቢሮም።

ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ናይ ሰራዊት ዓወት ናይ ምርግጋፅ ጉዕዞ ብልዑል ሃገራዊ ስመዒትን ጅግንነትን ምቕፃል ከምዘለዎም እውን ኣተሓሳሲቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጉዕዞ መዕባለ ኢትዮጵያ ንክረጋገፅ ኢሉእውን ሉእላውነት ንክኽበር ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ገሊፆም።

ሽርሒ ፀላእቲን ዕሱባቶምን ብምፍሻል ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ኣብ ሸትኡ ንክበፅሕ ኣብ ኽእሉ ብቕዓት ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment