ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ብምምካት ድሕንነት ህዝቢን ሉኣላዊነት ሃገርን ኣብ ምሕላው ሓላፍነቱ ይዋፃእ ኣሎ – ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ህወሓት ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ብምምካትን ብምፍሻልን ድሕንነት ህዝቢን ሉኣላዊነት ሃገርን ኣብ ምሕላው ሓላፍነቱ እናተዋፅአ ምዃኑ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ዕጡቕ ህወሓት ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ መጥቃዕቲ ብምብፃሕ ጉድኣት ንምስዓብ፣ ኣብ ድሕንነት ህዝቢን ሉኣላዊነት ሃገር ሓደጋ ክንፀላሎ ብምግባርን ፈተነ ምፍራስ ሃገር ከምዝገበረ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ይኹን እመበር እቲ ሰራዊት ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ብምምካትን ብምፍሻልን ድሕንነት ህዝቢን ሉኣላዊነት ሃገርን ኣብ ምሕላው ሓላፍነቱ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ገሊፁ ኣሎ።

እዚ ተግባር ብዘተኣማምን መልክዑ ብምፍፃም ብዘላቕነት ዕዉት ተግባር ንምርግጋፅ ምስ ህዝቢ ኮይኑ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment