ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘካየዶም ደብዳባት ኣየር ዒላመኦም ዝወቕዑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘካየዶም ደብዳባት ኣየር ዒላማ ዝገበርዎ ህወሓት ጥራሕ ከምዝኾነን ዒለመኦም ዝወቕዑ ከምዝኾኑን ተገሊፁ።

መፃረዪ ሓበሬታ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥  ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘካየዶም ደብዳባት ኣየር ብዝምልከት ዝተዛብዐ ግንዛበ እንተሃለወ እውን ብተቓራኒ እቶም መጥቃዕቲታት ዒላማ ዝገበርዎ መፍረዪ መሳርሒ ኲናትን ጣቢያታት ፅገና ዕጥቂን ህወሓት ጥራሕ ኢዩ ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘካይዶም ስራሕቲ ናይቲ ጉጅለ ራዕዲ ከበድቲ ኣፅዋራት ኲናትን ካልኦት ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናትን ንምሕባእ ዝጥቀመሎምን ናብ ወተሃደራዊ መገገሊ ዝቐየሮምን ዝተወሰኑ ቦታታት ካብ ጥቕሚ ወፃእ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ እንትብል ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment