ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝርከባ ሆስፒታላት መሊስካ ብምውዳብ ኣገልግሎት ጥዕና ይወሃብ ኣሎ-ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝርከባ ሆስፒታላት መሊስካ ብምውዳብ ኣገልግሎት ጥዕና ይወሃብ ኣሎ ክብል ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ኣየለ ተሾመ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ ትግራይ ኣገዕልግሎት ጥዕና ንምጅማር ዘኽእል ኮሚቴ ተወዲቡ ይስራሕ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ጉጅለ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ጥዕና ናብቲ ከባቢ ብምልኣኽ እተን ትካላት ጥዕና ዘለውኡ ኩነታት ናይ ምግምጋም ስራሕ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ሽረ ኮሪደርን ካልኦት ከባቢታትን ዘርከባ ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን ልዕሊ 2 ሺሐን 500 ሰራሕተኛታት ናብ ስራሕ ክኣትዉ ብምግባር ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝተጀመረ ገሊፆም

ኣኽሱም ፣ ሽራሮ፣ ሽረ፣ ዓድዋ፣ ዓዲ ዳዕሮ፣ እንዳባጉና፣ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱምን ሰለኽላኻ ሓዊሱ 8 ሆስፒታታላት ከምኡውን 14 ጣቢያታት ጥዕና ስራሕ ከምዝጀመራ ተዛሪቦም።

እተን ትካላት ብሃንደበታዊን ተመላለስቲ ተሓከምቲን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ድሓ ሓቢሮም።

ኣቕርቦት መድሓኒት ኣብ ሽረ በዝርከብ ቅርንጫፍ በህፁፅ ይክጅምር ከምዝተገበረን ነዚ ድማ ካብ ቅርንጫፍ ጎንደርን ደሴን እታዎት መድሓኒት ይለኣኽ ኣሎ ኢሎም።

ሚኒስቴር ጥዕና ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ልዕሊ 78 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ሕማም ሽኮር፣ ዓሶ፣ ኩላሊት፣ ሳንቡእ፣ ስነ ተዋልዶን ቀዋሚ ፀገም ጥዕና ንዘለዎምን ዘገለግሎ እታወዎታት ሕክምና ናብ መቐለ ምልኣኹ ሓቢሮም።

ብመሻርኽቲ ትካላት ኣቢሉ ድማ ልዕሊ 158 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን ካልኦትእታዎታት ምሕምናን ናብ መቐለ ከምዝተልኣኸ ተገሊፁ።

ብመላኩ ገድፍ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment