ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ወፍሪ ቀጠና ግድብ ህዳሰ ሰላም ንምርግጋፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ ምክትል ኣዛዚ ክፍለ ጦር ሜካናይዝድ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ወፍሪ ቀጠና ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ሰላም ንምርግጋፅ ለይቲን ቀትሪን እናሰርሐ ከምዝርከብ ምክትል ኣዛዚ ክፍለ ጦር ሜካናይዝድ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ኣዛዚ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሜካናይዝድ ሰፋሕቲ ወፍሪታት ብምፍፃም ካብ መተከል ክሳብ ግድብ ህዳሰ ዘለዎ ምውፋሩ ብምጥንኻር ውግኣት ፀረ ደባይ ብምክያድ ሓዊሱ ሰላም እቲ ቀጠና ብጅግንነት ከረጋግፅ ክኢሉ ኢዩ።

እቲ ሜካናይዝድ ኣብ መተከል ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ምስ ዝርከቡ ኣካላት ፀፅታ ተዋዲዱ ልኡኽቱኡ ብዓወት እናፈፀመ ከምዝርከብ ምግላፆ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment