“ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብወገናቱ ዝተኽሓደሉ ዕለት ኩሉ ግዘ ንከይድገም ክንዝክሮ ኢና”-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) “ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብወገናቱ ዝተኽሓደሉ ዕለት ኩሉ ግዘ ንከይድገም ክንዝክሮ ኢና” ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

“ንከይድገም ኩሉ ግዘ ክንዝክሮ ኢና” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰሜን እዝ ዝተጠቕዓሉ ሳልሳይ ዓመት ተኸቢሩ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ “ እቲ ዕለት ዶብ እናሓለወ፣ እኽሊ እናኣከበ፣ ኣንበጣ እናባረረ፣ ኣብ መርሃ ግብሪ ምክልኻል ኮቪድ 19 ግድኡ ዝዋፃእ ዝነበረ ብወገናቱ ተኻሒዱ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉን ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ፀሊም ነጥቢ ዝተመዝገበሉን ኢዩ” ኢሎም።

ንውልቀ ረብሓን ስልጣንን ክብሉ ዘርእን ወገንን ፈሊዮም ባዕሎም ብዝወደብዎ ሓይሊ ናይ ባዕልኻ ሓላዊ ዝኾነ ሰራዊት ብጭካነ ብምጭፍጫፍ ሃገር ብዘይሓላዊ ንምትራፍን መንግስቲ ንምዕላው ፈተነ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ትግራይ ክልል ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኬላታት ጥዕናን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን እናሰርሐን እናስፈሐን ዓቕሚ ንዘይብሎም ተምሃሮ ኣምሂሩ ንቁምነገር እንተብቅዕ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

እቲ ህዝቢ ምስ ሰራዊት ተዛሚዱ፣ ተፋትዩን ቤተሰብ ኮይኑን ኣብ ዝነበረሉ ክልል ብፅንፈኛ ሓይሊታት ፖለቲካ ምኽኒያት ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ከምዝተፈፀመ ሓቢሮም።

ካብዚ ታሪክ መላእ ኢትዮጵያዊ ተማሂሩ ንከይድገም ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኩሉ ግዘ ከዝከር ኢዩ ምባሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment